ንኣብ ሓባር መቐመጢታት ዘለው ሰባት እቶም መሰረታውያን መሰላት ሕጊ ቅዋም (GG) ናይ ፈደራላዊ ረፑብሊክ ጀርመን ብቑዓት እዮም!
እቶም መሰረታውያን መሰላት ናይቶም ተቐመጥቲ ከም ንኣብነት ክጠሓስ ዘይብሉ ገዛ/ኣፓርታማ (ኣርቲከል/ዓንቀጽ 13 GG)፣ ምክልኻል ሓዳርን ስድራን (ኣርቲከል 6 GG) ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ናጽነት ተግባር (ኣርቲከል 2 ክፋል 1 GG) ብኣመሓደርቲ ገዛ ወይ ሰራሕተኛታት ኣብቶም መቐመጢታት ክጠሓሱ የብሎምን።
ንኣመሓድርቲ ገዛን ሰራሕተኛታትን ኣብቶም መቐመጢታት ዝስዕብ ክልኩል ወይ ዘይፍቑድ እዩ፥
ግላውያን መንበሪ ክፍልታት ናይቶም ተቐመጥቲ
- ምፍታሽ
- ብዘይ ፍቓድ ወይ ብዘይ ጭቡጥ ድንገት ንምእታው
- ንምቍጽጻር (ዋላ ንቍጽጽር ህላወ ዘይፍቑድ’ዩ)
ኣብ ብጽሖ
- ምቝጽጻር ወረቓቕቲ መንነት ወይ ሳንጣታት
- ሓፈሻዊ እግዳ ብጽሖ ወይ ጥራይ ዝተደረቱ ግዜታት ብጽሖ ምእዋጅ
- ምእዋጅ ናይ ገዛ እገዳታት ብዘይ ዝኾነ ውድዓዊ ድንገት ወይ ብዘይ ብርቱዕ ርበሻ
ቡስጣ ናይ ተቐመጥቲ
- ምኽፋት፣ ምንባብ ወይ ምምዝጋብ
- ቡስጣ ጥራይ ኣብ ዝተደረቱ ግዜታት ምዕዳል
ዘይምህላው ኣብ ገዛ ብዘይ ጭቡጥ
ምኽንያት ምሕባር ናይ
- ፖሊስ
- ቤትጽሕፈት ሶሽያል ወይ ብዓል መዚ ወጻእተኛታት
- ቡስጣ
ጽኑዕ ምክትታል ቪድዮ ኣብ
- ባይታታት፣ መልዓሊታት ወይ ውሽጣውያን ቦታታት
- መጸንሒ ክፍልታት
- መንበሪ ክፍልታት
ተደጋጋሚ ቍጽጽር ህላወ ወይ ናይ ስረዛ ግዴታ
- ሓፈሻዊ እገዳ ምትካኽ ሽጋራ ወይ ኣልኮል
- ምእጋድ ግዜጣታትን ኢንተርነትን
- ክልከላ ግላውያን ኣቕሑታት ገዛ ወይ ብሓፈሽኡ ኤለክትሮናውያን መሳርሒታት
ብፍልይ ዝበሉ ኩነታት ዝስዕብ ፍቑድ እዩ፥
- ናይ ፈራዳይ ቤትፍርዲ ትእዛዝ ዘለዎ ፍተሻ ግላውያን ክፍልታት (ጥራይ ብፖሊስ)
- ቍጽጽር ጽሬት ናይቶም ክፍልታት ኣብ ድንገት ልበዳ (ጥራይ መንግስታውያን ቦታታት)
- ድንገት እንተዘሎ ምእታው ኣብ ክፍልታት
- ናይ ብጽሖ ሕጋጋት
- ጽኑዕ ምክትታል ቪድዮ ኣብ መእተዊ ቦታ