Gemeinschaftsunterkünfte

ንኣብ ሓባር መቐመጢታት ዘለው ሰባት እቶም መሰረታውያን መሰላት ሕጊ ቅዋም (GG) ናይ ፈደራላዊ ረፑብሊክ ጀርመን ብቑዓት እዮም!

እቶም መሰረታውያን መሰላት ናይቶም ተቐመጥቲ ከም ንኣብነት ክጠሓስ ዘይብሉ ገዛ/ኣፓርታማ (ኣርቲከል/ዓንቀጽ 13 GG)፣ ምክልኻል ሓዳርን ስድራን (ኣርቲከል 6 GG) ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ናጽነት ተግባር (ኣርቲከል 2 ክፋል 1 GG) ብኣመሓደርቲ ገዛ ወይ ሰራሕተኛታት ኣብቶም መቐመጢታት ክጠሓሱ የብሎምን።

ንኣመሓድርቲ ገዛን ሰራሕተኛታትን ኣብቶም መቐመጢታት ዝስዕብ ክልኩል ወይ ዘይፍቑድ እዩ፥

ግላውያን መንበሪ ክፍልታት ናይቶም ተቐመጥቲ

  • ምፍታሽ
  • ብዘይ ፍቓድ ወይ ብዘይ ጭቡጥ ድንገት ንምእታው
  • ንምቍጽጻር (ዋላ ንቍጽጽር ህላወ ዘይፍቑድ’ዩ)

ኣብ ብጽሖ

  • ምቝጽጻር ወረቓቕቲ መንነት ወይ ሳንጣታት
  • ሓፈሻዊ እግዳ ብጽሖ ወይ ጥራይ ዝተደረቱ ግዜታት ብጽሖ ምእዋጅ
  • ምእዋጅ ናይ ገዛ እገዳታት ብዘይ ዝኾነ ውድዓዊ ድንገት ወይ ብዘይ ብርቱዕ ርበሻ

ቡስጣ ናይ ተቐመጥቲ

  • ምኽፋት፣ ምንባብ ወይ ምምዝጋብ
  • ቡስጣ ጥራይ ኣብ ዝተደረቱ ግዜታት ምዕዳል

ዘይምህላው ኣብ ገዛ ብዘይ ጭቡጥ
ምኽንያት ምሕባር ናይ

  • ፖሊስ
  • ቤትጽሕፈት ሶሽያል ወይ ብዓል መዚ ወጻእተኛታት
  • ቡስጣ

ጽኑዕ ምክትታል ቪድዮ ኣብ

  • ባይታታት፣ መልዓሊታት ወይ ውሽጣውያን ቦታታት
  • መጸንሒ ክፍልታት
  • መንበሪ ክፍልታት

ተደጋጋሚ ቍጽጽር ህላወ ወይ ናይ ስረዛ ግዴታ

  • ሓፈሻዊ እገዳ ምትካኽ ሽጋራ ወይ ኣልኮል
  • ምእጋድ ግዜጣታትን ኢንተርነትን
  • ክልከላ ግላውያን ኣቕሑታት ገዛ ወይ ብሓፈሽኡ ኤለክትሮናውያን መሳርሒታት

ብፍልይ ዝበሉ ኩነታት ዝስዕብ ፍቑድ እዩ፥

  1. ናይ ፈራዳይ ቤትፍርዲ ትእዛዝ ዘለዎ ፍተሻ ግላውያን ክፍልታት (ጥራይ ብፖሊስ)
  2. ቍጽጽር ጽሬት ናይቶም ክፍልታት ኣብ ድንገት ልበዳ (ጥራይ መንግስታውያን ቦታታት)
  3. ድንገት እንተዘሎ ምእታው ኣብ ክፍልታት
  4. ናይ ብጽሖ ሕጋጋት
  5. ጽኑዕ ምክትታል ቪድዮ ኣብ መእተዊ ቦታ